Embelem of Federal Democratic Republic of Ethiopia Official Portal of Ministry of Finance and Economic Development  
Home Home Citizens Citizens Page Government Government Page Business Business Page Donors Donors Page Decrease font Increase font

 ተፀዋዕቲ መስራቤታት

 ንድፊ ንብሄራዊ ዕብየት

ብሄራዊ ልምዓት ትልሚ

  ኢትዩጵያ ብተኸታታሊ ኣብ ዝሓለፈ ሽድሽተ ዓመት ክልተ ዕፅፊ ዲጂት ናይ ኢኮኖሚ ዕብየት ኣመዝጊቡ እዩ፡፡ናይዚ ምኽንያት ኸዓ ግልፂ ዝኾነ፣ትኽክለኛ ንድፊ ዘለዎን ናይ ባዕሉ ኢኮኖሚያዊ ናይ መንገዲ ካርታ ምፍፃም ፡ግብርና ንኢንድስትራላይዜሽን ዝመርሖ ፖሊሲ እዩ፡፡ብርግፅ እዚ ፖሊሲ ብፅቡቕ እንተዘይሰርሐ ነይሩ ኣብ ዝሓለፈ ሽድሽተ ዓመት እቲ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ክልተ ዕፅፊ ዲጂት ብተኸታታሊ ኣይመዓበየን ነይሩ፡፡ብተወሳኺ እዚ ፖሊሲ ብቶም ዓበይቲ ናይ ኢኮኖሚ ሓይሊ ምኽሪቤታት ብምሕዋስ ብካልኦት ሃገራት ተፅዕኖ ኣይሓደሮን ወይድማ ድልየቶም ንኸማልኡ ምግዳድ ኣይተገበሮን እንተደኣ  እዚ ፖሊሲ ዝተነደፈን ብኢትዩጵያ መንግስቲ ኣብ ስራሕ ዝወዓለሉ ምኽንያት ምስቲ ዓላማን ምስቲ ናይታ ሃገር ካብ ሓቂ ዘይረሓቐ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ኹነታት ስለዝዛመድን እዩ፡፡ ከም ኣብዝሓ ናይ ኢትዩጵያ ህዝቢ መተሓዳደሪኦም ኣብ ግብርና ዝተመስረተ ምኻDኑ ናይ ብሄራዊ ኢኮኖሚ ልምዓት ፖሊሲ መቓን ምስ ግብርናን ብግብርና ዝምራሕ ኢንድስትሪያላይዜሽን ዝቐራረብን ዘንፀባርቕን ንድፊ ንምውፃእ ቐሊልን ግልፅን ይገብሮ፡፡